ዜና 24 ሰነ 2025 ኣብ ተፈጥሮ ክትሕንብስ እንተድኣ ኮይንካ ክትፈልጦ ዘለካ ኣብ ኔዘርላንድ ጽቡቕ ኩነታት ኣየር ስለዘሎ ሰባት ንኽዝሕሉ ናብ ምሕንባስ ክኸዱ ደስ ይብሎም። ንስኻ እውን ክትሕንብስ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ማይ ምሕንባስ ዘስዕቦ ሓደጋታት ብግቡእ ኣስተብህለሎም።
ዜና 16 ሰነ 2025 ዋዕላ ኔቶ ዕለት 24ን 25ን ሰነ ኣብ ደን ሃኽ ክካየድ እዩ፡ ኣብ ትራፊክ ጽርግያን ህዝባዊ መጓዓዝያን ዘኸትሎ ሃገራዊ ሳዕቤናት እዚኦም እዮም ዋዕላ ኔቶ ኣብዚ ዓመት ዕለት 24ን 25ን ሰነ ኣብ ከተማ ደን ሃኽ ክካየድ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ተበጻሕነት ከተማ ደን ሃኽን፣ ናብ ካልኦት ከተማታት ኣብ ዝወስዱ ጽርግያታትን ሳዕቤናት ክህልዎ እዩ። እቲ ጸገም ትራፊክ ካብ 22 ክሳብ 27 ሰነ ዝጸንሕ እዩ። ሳዕቤኑ እንታይ ምዃኑ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ዜና 11 ሰነ 2025 ካብ ሶርያ ዝመጽኡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ እንታይ ክጽበዩ ይኽእሉ? መንግስቲ ኔዘርላንድ፣ IND ብሶርያውያን ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ዳግማይ ምምስራሕ ክጅምር ምዃኑ ወሲኑ። መንግስቲ ኣየኖት ስጉምትታት ከምዝወስድ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዘለካ ኩነት እንታይ ሳዕቤናት ክህልዎ ከም ዝኽእልን፣ ምኽሪ ወይ ሓገዝ ንምርካብ ናብ መን ክትውከስ ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ንጥፈት 10 ሰነ 2025 ካብ 16 ሰነ ክሳብ 22 ሰነ 2025፡ ኣብ ኣምስተርዳም ናብ ዝካየድ 'Refugee Welcome Week' ምጻእ ዓርቢ 20 ሰነ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት እዩ። ኔዘርላንድ ድማ ነዚ ኣህጉራዊ በዓል ካብ ሰኑይ 16 ክሳብ ሰንበት 22 ሰነ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝካየድ Refugee Welcome Week (RWW) ከተብዕሎ እያ። ኣብታ ሰሙን ብዛዕባ ዝካየዱ ፍጻመታት ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ዜና 22 ግን 2025 ኣበዓዕላ መዓልቲ ዕርገትን ጴንጠቆስጠን ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ኔዘርላንድ መዓልቲ ዕርገትን ጴንጠቆስጠን ወግዓዊ በዓላት እዮም። ኣብዚ ዓመት መዓልቲ ዕርገት ኣብ ሓሙስ 29 ግንቦት፣ ጴንጠቆስጠ ድማ ኣብ 8ን 9ን ሰነ 2025 እዮም ዝውዕሉ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣብዘን መዓልታት ዝበዝሑ ሰባት ምስራሕ ኣየድልዮምን እዩ፣ ነዞም በዓላት ድማ የብዕሉ።
ዜና 8 ግን 2025 ኣብ ኔዘርላንድ መስርሕ ዑቕባ ክሳብ ክንድዚ ነዊሕ ግዜ እዩ ዝወስድ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ኣብ 2025 ንነፍስወከፍ ሕቶ ዑቕባ ብዝምልከት ንኽውስን 18 ኣዋርሕ ኣለዎ። ስለዚ ብፍላይ ነቲ ምስ IND ዝካየድ 2ይ ቃለ-መሕትት ንምግባር ነዊሕ ግዜ ክትጽበይ ኣለካ። ብዛዕባ ኣብ መስርሕ ዑቕባ ዘለዉ ናይ ምጽባይ ግዜታት ኣብዚ ኣንብብ።