ናብ ኔዘርላንድ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ

ንኹሉ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክሓትት ዝደልይ ሰብ
ሃዲምካ ዲኻ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትረክብ ድማ ትደልይ ዲኻ? ኣብዞም ገጻት፣ ብኸመይ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ከም እትሓትትን መስርሕ ዑቕባ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ኣንብብ። ብዛዕባ ኣብ መዕቆቢ ምንባር እውን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

RefugeeHelp ብዛዕባ መድረኽና ዘለካ ተመኩሮ ንኽፈልጥ ሃንቀውታ ኣለዎ። ኣብ መጽናዕትና ብምስታፍ፣ ገና ኣየናይ ሓበሬታ ወይ ኣገልግሎታት ከም ዝጎደለካን፣ እንታይ ከም ዘድልየካን ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ርድኢትካ ድማ ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ብዝበለጸ ምስ ድሌታትካ ንኽነመዓራረዮ ይሕግዘና እዩ።

ምስ ባህሊ ኔዘርላንድ ብዝበለጸ ክትላለይ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ሕጂ ናብ ልዕሊ 150 ኣብያተ-መዘክር ኔዘርላንድ መእተዊ ትኬት ብነጻ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ናብኡ ንኽትበጽሕ ድማ VluchtelingenWerk Nederland ምስ ኣብያተ-መዘክር ብሓባር ይዕድሙኻ ኣለዉ።


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር