
ኣብ ኔዘርላንድ መስርሕ ዑቕባ ክሳብ ክንድዚ ነዊሕ ግዜ እዩ ዝወስድ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ኣብ 2025 ንነፍስወከፍ ሕቶ ዑቕባ ብዝምልከት ንኽውስን 15 ኣዋርሕ ኣለዎ። ስለዚ ድማ ምስ IND 1ይ ቃለ-መሕትትን 2ይ ቃለ-መሕትትን ንምግባር ነዊሕ ግዜ ክትጽበይ ኣለካ። ብዛዕባ ኣብ መስርሕ ዑቕባ ዘለዉ ናይ ምጽባይ ግዜታት ኣብዚ ኣንብብ።
ን2ይ ቃለ-መሕትት ዘለዉ ናይ ምጽባይ ግዜታት ዝነውሑ እዮም
ኣብ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ ምስ IND 1ይ ቃለ-መሕትት ድሕሪ ምግባርካ 2ይ ቃለ-መሕትት እውን ክህልወካ እዩ። እዚ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ንምንታይ ከም ዝሃደምካን ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ትሓተሉ ዘለኻን ምኽንያት ዝምልከት እዩ። ነዚ 2ይ ቃለ-መሕትት ንምግባር እውን ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ 1ይ ቃለ-መሕትትካ ድሕሪ ምግባርካ፣ ን2ይ ቃለ-መሕትት ብማእከላይ ገምጋም 43 ሳምንታት ክትጽበይ ኣለካ።
ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ IND ንነዊሕ ግዜ ከም እትጽበይ ክገብረካ ይኽእል እዩ
መንግስቲ ኔዘርላንድ ብዕለት 14 ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ IND ኣብ 2025 ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባ ንምውሳን ዝያዳ ግዜ ከም ዝህልዎ እውን ኣፍሊጡ ኣሎ። ብመሰረት ሕጊ IND ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባ ንኽውስን ናይ 6 ኣዋርሕ ግዜ እዩ ዘለዎ። እንተኾነ ግን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት IND ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባኻ ንኽውስን ቀጻሊ ተወሰኽቲ 9 ኣዋርሕ ክወሃቦ ጸኒሑ ኣሎ።
እዚ ማለት ኣብ መንጎ 27 መስከረም 2022ን 1 ጥሪ 2026ን ንዝቐርቡ ኩሎም ናይ ዑቕባ ሕቶታት ዘሎ ናይ ውሳኔ ገደብ-ግዜ 15 ኣዋርሕ እዩ ማለት እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ግዜ IND ምሳኻ 1ይን 2ይን ቃለ-መሕትት ዘካየደ ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ድማ ውሳኔ ይወስድ።
IND ውሳኔ ኣብ ምሃብ ኣዝዩ ምስ ዝድንጒይ ከምዚ ክትገብር ትኽእል
1ይ ቃለ-መሕትትካ ንምግባር ን6 ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ተጸቢኻ ዲኻ? ስለዚ ሓደ ናይ