ዜና 16 ሰነ 2025 ዋዕላ ኔቶ ዕለት 24ን 25ን ሰነ ኣብ ደን ሃኽ ክካየድ እዩ፡ ኣብ ትራፊክ ጽርግያን ህዝባዊ መጓዓዝያን ዘኸትሎ ሃገራዊ ሳዕቤናት እዚኦም እዮም
ዜና 11 ሰነ 2025 ካብ ሶርያ ዝመጽኡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ እንታይ ክጽበዩ ይኽእሉ? መንግስቲ ኔዘርላንድ፣ IND ብሶርያውያን ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ዳግማይ ምምስራሕ ክጅምር ምዃኑ ወሲኑ። መንግስቲ ኣየኖት ስጉምትታት ከምዝወስድ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዘለካ ኩነት እንታይ ሳዕቤናት ክህልዎ ከም ዝኽእልን፣ ምኽሪ ወይ ሓገዝ ንምርካብ ናብ መን ክትውከስ ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ንጥፈት 10 ሰነ 2025 ካብ 16 ሰነ ክሳብ 22 ሰነ 2025፡ ኣብ ኣምስተርዳም ናብ ዝካየድ 'Refugee Welcome Week' ምጻእ ዓርቢ 20 ሰነ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት እዩ። ኔዘርላንድ ድማ ነዚ ኣህጉራዊ በዓል ካብ ሰኑይ 16 ክሳብ ሰንበት 22 ሰነ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝካየድ Refugee Welcome Week (RWW) ከተብዕሎ እያ። ኣብታ ሰሙን ብዛዕባ ዝካየዱ ፍጻመታት ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ዜና 22 ግን 2025 ኣበዓዕላ መዓልቲ ዕርገትን ጴንጠቆስጠን ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ኔዘርላንድ መዓልቲ ዕርገትን ጴንጠቆስጠን ወግዓዊ በዓላት እዮም። ኣብዚ ዓመት መዓልቲ ዕርገት ኣብ ሓሙስ 29 ግንቦት፣ ጴንጠቆስጠ ድማ ኣብ 8ን 9ን ሰነ 2025 እዮም ዝውዕሉ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣብዘን መዓልታት ዝበዝሑ ሰባት ምስራሕ ኣየድልዮምን እዩ፣ ነዞም በዓላት ድማ የብዕሉ።
ዜና 1 ግን 2025 ጽምብል ሓርነት ኣብ መዓልቲ ሓርነት 5 ግንቦት ኣብ ኔዘርላንድ መዓልቲ ሓርነት እዩ። ኣብዚ ዕለት እዚ ኔዘርላንድ፣ 2ይ ኲናት ዓለም ኣብ 1945 ኣብ ኔዘርላንድ ዘብቅዓሉ ዕለት ትጽምብል። ሰባት ድማ ሓርነት ከም ተራ ንቡር ነገር ዝረኣይ ዘይምዃኑ ይዝክሩ። ኔዘርላንዳውያን ንመዓልቲ ሓርነት ብኸመይ ከም ዝጽምበሉ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ዜና 29 ሚያ 2025 ኣብ እዋን መዓልቲ ዝኽሪ 4 ግንቦት ንግዳያት ኲናት ምዝካር ነፍስወከፍ ዓመት ዕለት 4 ግንቦት ኔዘርላንድ ንግዳያት 2ይ ኲናት ዓለም ሓዊሱ ንግዳያት ኲናት ትዝክር። እዚ ድማ መዓልቲ ዝኽሪ ይበሃል። ኣብዚ ዓንቀጽ፣ መዓልቲ ዝኽሪ እንታይ ማለት ምዃኑን እንታይ ከም እተስተብህልን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ዜና 18 ሚያ 2025 መዓልቲ ንጉስ ኣብ ቀዳም 26 ሚያዝያ፡ ጽንብል ብኣራንሾኒ ኔዘርላንድ ዓመታዊ ዕለተ-ልደት ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደር ኣብ ሚያዝያ 27 ተብዕል። እዚ ሃገራዊ በዓል፣ መዓልቲ ንጉስ ይበሃል። እንተኾነ ግን ኣብዚ ዓመት እዚ ሚያዝያ 27 ሰንበት ስለዝኾነ፣ ነቲ በዓል ሓደ መዓልቲ ኣቐዲምና ከነብዕሎ ኢና። ስለዚ እቲ በዓል ቀዳም 26 ሚያዝያ እዩ። ካብ 1980 ጀሚሩ እቲ በዓል ብፍጹም ኣብ ዕለተ ሰንበት ተኸቢሩ ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ድማ በታ ሽዕኡ ዝነበረት ንግስቲ ዩልያና እዩ ተወሲኑ። ኣብዚ ታሕቲ ኔዘርላንድ ንመዓልቲ ንጉስ ብኸመይ ከም እተብዕሎ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።