ናብ ኔዘርላንድ ዝኣትዉ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ወደብ መስርሕ ዑቕባኦም ክጽበይሉ ዘለዎም ናይ Justitieel Complex Schiphol ቅድሚታዊ ትርኢት።
ምንጪ፡ Shutterstock, Stockfoto www.hollandfoto.net
ዓንቀጽ

ኣብ ስኺፖል ኣብ ዝካየድ መስርሕ ዑቕባ ምስ IND 1ይ ቃለ-መሕትት ክትገብር ኢኻ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 28/10/2024 10:02 ቅ.ቀ.

እቲ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ዝርከብ ዕጹው መዕቆቢ ቦታ፣ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) እውን ዝሓዘ እዩ። ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባኻ ድማ ምስኦም ቃለ-መሕትታት ትገብር። ኣብቲ 1ይ ቃለ-መሕትት፣ IND ብዛዕባኻን ናብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ዝገበርካዮ በረራን ሕቶታት ይሓተካ። ከምኡ እውን IND ዝርዝር ሓበሬታታትካ ቅኑዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይምርምር።

IND ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት ነዚ ይሓትት

ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ሓበሬታታትካ ቅኑዓት ምዃኖምን ዘይምዃኖም ይምርምር። IND ብዛዕባኻ፣ ብዛዕባ ናብ ኔዘላንድ ዝገበርካዮ ምህዳምን፣ ኣቃውማ ስድራ-ቤትካን ዝምልከቱ ሕቶታት ይሓትት። IND ኣብዚ 1ይ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ምኽንያታት ተወሳኺ ሕቶታት ኣይሓትትን እዩ። ኣብ 2ይ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ እዚ ብዝርዝር ንኽትነግር ዕድል ክወሃበካ እዩ።

ኣብቲ ምስ IND ዝግበር ቃለ-መሕትት ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ኣሎ

ሰራሕተኛ ናይ IND ነቶም ሕቶታት ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝሓትት። ኣተርጓሚ ድማ ነዚ ክትርጉመልካ እዩ። ንመልስታትካ እውን እቲ ኣተርጓሚ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጉሞም እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ገለልተኛ እዩ፣ ኣብ IND ዝሰርሕ ኣይኮነን፣ ከምኡ እውን ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝውሰድ ውሳኔ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ የብሉን። ኣተርጎምቲ ኣዝዩ ስራሕ ስለ ዝጽዕቆም ካልእ ላህጃ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንስኻን እቲ ኣተርጓሚን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ እንተድኣ ዘይክኢልኩም ብቀጥታ ንገር። ምኽንያቱ እቲ ኣተርጓሚን ንስኻን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ ብሰንኪ ዘይምኽኣልኩም ዘይምርድዳእ ከይፍጠር ኣገዳሲ ስለዝኾነ።

ንምድላው ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ

እዚ 1ይ ቃለ-መሕትት ብዘይ ጠበቓ በይንኻ ኢኻ ምስ IND እትገብሮ። 2ይ ቃለ-መሕትት ክትገብር ቁሩብ ግዜ ምስ ተረፈካ ጥራይ እዩ ጠበቓ ዝምደበልካ።

ኣብቲ ምስ IND እትገብሮ 1ይ ቃለ-መሕትት ከምቲ ኣብ 2ይ ቃለ-መሕትት እትብሎ ክትነግር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ። ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብቕንዕና ንገር። ድሒርካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ፣ IND ኣብዚ ቃለ-መሕትት ድሮ ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝነገርካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክምርምር እዩ።

ኣብ ኩሎም ምስ IND እትገብሮም ኣፋዊ ዝርርባት ምሳኻ መዘኻኸሪ ጽሑፋት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ኣገደስቲ ዕለታት ንምዝካር ናይ ግዜ መስመር ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ። ዕለት ኣይትፈልጦን ዲኻ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ንIND ብቕንዕና ንገር። ምስ IND ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት ንታሪኽካ ዝድግፉ ሰነዳት ከተቕርብ ድማ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ሰነዳት ብኸምዚ ኢኻ ናብ IND እተረክብ

ኣብዚ ገጽ ኣየኖት ሰነዳት ናብ IND ከተረክብ ከም እትኽእል ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ከም እተረክቦም ድማ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር