ምንጪ፡ Martijn Klungel / Shutterstock
ዓንቀጽ

ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ IND ትምዝገብ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 5/5/2025 2:01 ድ.ቀ.

ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ IND ኣብ እትምዝገበሉ እዋን፣ ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደልይ ትነግር። ካብ ኣየነይቲ ሃገር ከም ዝመጻእካ ትነግር። እታ ሃገር ብመሰረት መንግስቲ ኔዘርላንድ ውሕስቲ መበቆል ሃገር ድያ? ከምኡ ምስ ዝኸውን IND ንሕቶ ዑቕባኻ ብዝቐልጠፈ መስርሕ ከምስርሖ እዩ።

IND ንሕቶ ዑቕባኻ ኣብ ኣየናይ መስርሕ ከምዘመስርሖ ምዝገባኻ እዩ ዝውስኖ

ብበልጅዩም ወይ ብጀርመን ኣቢልካ ናብ ኔዘርላንድ እንተድኣ ኣቲኻን፣ ኣብዚ ዑቕባ ክትሓትት ምስ እትደልይን፣ ኣብ ተር ኣፐል ናብ ዝርከብ ማእከል ምዝገባ (AC) ክትከይድ ኣለካ። ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)

ትምዝገብ። ኣብዚ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት ከም እትደልይ ትዛረብ። IND ድማ መን ምዃንካ፣ ዜግነትካ እንታይ ምዃኑን፣ ካበይ ከም ዝመጻእካን ክሓተካ እዩ። 

ናይ ኢድ ኣምባርን፣ ቁጽሪ ዘለዎ ደብዳቤን (እዚ ‘de loopbrief ማለት መራሒ ደብዳቤ ይበሃል) ክትቅበል ኢኻ። እቲ ናይ ኢድ ኣምባርን ደብዳቤን ድማ ድሕሪ ምዝገባ ንዝህልዉኻ ቆጸራታት ከድልዩኻ እዮም።

IND መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ውሕስቲ ሃገር ብዝመጽኡ ሰባት ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ይነጽግ

IND ኩሉ ግዜ ቅድሚ ሕጂ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ኣቕሪብካ ዝነበርካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይምርምር እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ወይ ኣብ ካልእ ደንቢ-ዱብሊን ዝምልከታ ኤውሮጳዊት ሃገር። ኣብዚ ዳሕረዋይ ጉዳይ ንዓኻ መስርሕ ዱብሊን እዩ ዝምልከተካ። ከምኡ እውን እታ ፈለማ ዝመጻእካላ ሃገር ኣብቲ ብመንግስቲ ኔዘርላንድ ዝተዳለወ ዝርዝር ውሑሳት መበቆል ሃገራት ትርከብ ድያ? ስለዚ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ በቲ 'ዝቐለለ መስርሕ ዑቕባ' ከመስርሖ እዩ። እዚ ካብቲ ንቡር መስርሕ ዑቕባ ዝሓጸረን ዝቐልጠፈን መስርሕ እዩ። ስለምንታይ ከም ዝሃደምካ ብዝምልከት ድማ ምስ IND 1 ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ። 

ሓቂ እንተድኣ ዘይነገርካ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ክጎድእ ይኽእል እዩ 

ሓቀኛ ስምካ ክትነግርን፣ ናይ ሓሶት መንነት ከይተርኢን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እዋን ህድማኻ ካልእ ስም ተጠቒምካ እንተድኣ ነይርካ ምስ IND ብቕንዕና ተዛረብ። IND ኩሉ ግዜ ወረቓቕትኻ ሓቀኛታት ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ይምርምር እዩ። ብዛዕባኻ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ እንተድኣ ሂብካ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ሳዕቤናት ክህልዎ እዩ።  


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር