
ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ IND ትምዝገብ
ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ IND ኣብ እትምዝገበሉ እዋን፣ ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደልይ ትነግር። ካብ ኣየነይቲ ሃገር ከም ዝመጻእካ ትነግር። እታ ሃገር ብመሰረት መንግስቲ ኔዘርላንድ ውሕስቲ መበቆል ሃገር ድያ? ከምኡ ምስ ዝኸውን IND ንሕቶ ዑቕባኻ ብዝቐልጠፈ መስርሕ ከምስርሖ እዩ።
IND ንሕቶ ዑቕባኻ ኣብ ኣየናይ መስርሕ ከምዘመስርሖ ምዝገባኻ እዩ ዝውስኖ
ብበልጅዩም ወይ ብጀርመን ኣቢልካ ናብ ኔዘርላንድ እንተድኣ ኣቲኻን፣ ኣብዚ ዑቕባ ክትሓትት ምስ እትደልይን፣ ኣብ ተር ኣፐል ናብ ዝርከብ ማእከል ምዝገባ (AC) ክትከይድ ኣለካ። ኣብ ተር ኣፐል ኣብ
ናይ ኢድ ኣምባርን፣ ቁጽሪ ዘለዎ ደብዳቤን (እዚ ‘de loopbrief’ ማለት መራሒ ደብዳቤ ይበሃል) ክትቅበል ኢኻ። እቲ ናይ ኢድ ኣምባርን ደብዳቤን ድማ ድሕሪ ምዝገባ ንዝህልዉኻ ቆጸራታት ከድልዩኻ እዮም።
IND መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ውሕስቲ ሃገር ብዝመጽኡ ሰባት ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ይነጽግ
IND ኩሉ ግዜ ቅድሚ ሕጂ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ኣቕሪብካ ዝነበርካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይምርምር እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ወይ ኣብ ካልእ ደንቢ-ዱብሊን ዝምልከታ ኤውሮጳዊት ሃገር።
ሓቂ እንተድኣ ዘይነገርካ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ክጎድእ ይኽእል እዩ
ሓቀኛ ስምካ ክትነግርን፣ ናይ ሓሶት መንነት ከይተርኢን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እዋን ህድማኻ ካልእ ስም ተጠቒምካ እንተድኣ ነይርካ ምስ IND ብቕንዕና ተዛረብ። IND ኩሉ ግዜ ወረቓቕትኻ ሓቀኛታት ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ይምርምር እዩ። ብዛዕባኻ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ እንተድኣ ሂብካ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ሳዕቤናት ክህልዎ እዩ።