ሰብኣይ ታሪኹ እናነገረ ነቲ ኣብ ፊቱ ኮፍ ኢሉ ዝርከብ ሰብኣይ እናተወላወለን ብኣትኲሮን ይጥምት
ምንጪ፡ PeopleImages.com - Yuri A | Shutterstock
ዓንቀጽ

ኣብ ዝቐልጠፈ መስርሕ ዑቕባ ምስ IND 1 ቃለ-መሕትት ይህልወካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 5/5/2025 2:04 ድ.ቀ.

ኣብዚ ቃለ-መሕትት IND ብዛዕባኻን፣ ናብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ዝገበርካዮ ጉዕዞን፣ ዝሃደምካሉ ምኽንያትን ዝምልከቱ ሕቶታት ክሓተካ እዩ። ኣብ ሃገርካ ንምንታይ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለኻ ንIND ክትነግር ድማ ኣገዳሲ እዩ።

ንምንታይ ብውልቂ ኣብ ሓደጋ ከምዘለኻ ንIND ንገር

ኣብ ዝቐልጠፈ መስርሕ ዑቕባ፣ ስለምንታይ ዑቕባ ትሓትት ከምዘለኻ ብዝምልከት ምስ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
1 ቃለ-መሕትት ጥራይ ኢኻ ትገብር። ስለዚ መን ምዃንካን፣ ኣብታ ብመሰረት ኔዘርላንድ ውሕስቲ ዝኾነት ሃገርካ ስለምንታይ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለኻን፣ ከምኡ እውን ስለምንታይ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ከም ዘድልየካን ብንጹር ንኽትገልጽ 1 ዕድል ጥራይ እዩ ዘለካ። ኣብዚ ምስ IND እትገብሮ ቃለ-መሕትት ናይ ህድማ ታሪኽካ ዝድግፉ ሰነዳት ከም መርትዖ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። IND ሰነዳትካ እንተድኣ ወሲዱ ድማ ብወረቐት መርትዖ ክትቅበል ኢኻ።  

ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ህድማኻ ንኽትዛረብ ኣጸጋሚ እዩ 

ኣብ መበቆል ሃገርካ ወይ ኣብ እዋን ህድማኻ ብዛዕባ ዘጋጠመካ ምዝራብ ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ሓደ ነገር ክትዛረብ እንተድኣ ኣጸጋሚ ኮይኑ ረኺብካዮ፣ ወይ ደጊም ገለ ነገር ዘይትዝክሮ እንተድኣ ኮይንካ፣ ከምኡ ኢልካ ንIND ንገር። ድሕሪኡ IND ነዚ ኣብ ግምት ከእቱው ይኽእል። ከምኡ እውን ምስ ህድማኻ ዝተኣሳሰሩ በሰላታት ወይ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ኣለካ ድዩ? ብዛዕባ እዚ እውን ንIND ንገር። IND ሕክምናዊ መርመራ ከቕርበልካ ይኽእል እዩ።  

ልክዕ ከም ናትካ ጾታ ምስ ዘለዎ ናይ IND ሰራሕተኛ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ከም ናትካ ጾታ ዘለዎ ኣተርጓሚ ንኽግበረልካ ክትሓትት እውን ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ትደልይ እንተድኣ ኮይንካ ድማ፣ ሰራሕተኛ ናይ

ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ (VWN)
ኣብቲ ምስ IND እትገብሮ ቃለ-መሕትት ክርከብ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ጸብጻብ ናይ IND ምስ ጠበቓኻ ትዘራረብ 

IND ናይቲ ምሳኻ ዝተገብረ ቃለ-መሕትት ጸብጻብ ከዳሉው እዩ። ድሕሪ እቲ ምስ IND ዝገብርካዮ ቃለ-መሕትት፣ ብዛዕባ እቲ ናይ IND ጸብጻብ ምስ ጠበቓኻ ክትዘራረብ ኢኻ። ኣብቲ ናይ IND ጸብጻብ፣ ዝጎደለ ወይ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ምስ ዝህሉው ንጠበቓኻ ንገር።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር