
ኣብ ዝቐልጠፈ መስርሕ ዑቕባ ምስ IND 1 ቃለ-መሕትት ይህልወካ
ኣብዚ ቃለ-መሕትት IND ብዛዕባኻን፣ ናብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ዝገበርካዮ ጉዕዞን፣ ዝሃደምካሉ ምኽንያትን ዝምልከቱ ሕቶታት ክሓተካ እዩ። ኣብ ሃገርካ ንምንታይ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለኻ ንIND ክትነግር ድማ ኣገዳሲ እዩ።
ንምንታይ ብውልቂ ኣብ ሓደጋ ከምዘለኻ ንIND ንገር
ኣብ ዝቐልጠፈ መስርሕ ዑቕባ፣ ስለምንታይ ዑቕባ ትሓትት ከምዘለኻ ብዝምልከት ምስ
ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ህድማኻ ንኽትዛረብ ኣጸጋሚ እዩ
ኣብ መበቆል ሃገርካ ወይ ኣብ እዋን ህድማኻ ብዛዕባ ዘጋጠመካ ምዝራብ ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ሓደ ነገር ክትዛረብ እንተድኣ ኣጸጋሚ ኮይኑ ረኺብካዮ፣ ወይ ደጊም ገለ ነገር ዘይትዝክሮ እንተድኣ ኮይንካ፣ ከምኡ ኢልካ ንIND ንገር። ድሕሪኡ IND ነዚ ኣብ ግምት ከእቱው ይኽእል። ከምኡ እውን ምስ ህድማኻ ዝተኣሳሰሩ በሰላታት ወይ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ኣለካ ድዩ? ብዛዕባ እዚ እውን ንIND ንገር። IND ሕክምናዊ መርመራ ከቕርበልካ ይኽእል እዩ።
ልክዕ ከም ናትካ ጾታ ምስ ዘለዎ ናይ IND ሰራሕተኛ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ከም ናትካ ጾታ ዘለዎ ኣተርጓሚ ንኽግበረልካ ክትሓትት እውን ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ትደልይ እንተድኣ ኮይንካ ድማ፣ ሰራሕተኛ ናይ
ብዛዕባ ጸብጻብ ናይ IND ምስ ጠበቓኻ ትዘራረብ
IND ናይቲ ምሳኻ ዝተገብረ ቃለ-መሕትት ጸብጻብ ከዳሉው እዩ። ድሕሪ እቲ ምስ IND ዝገብርካዮ ቃለ-መሕትት፣ ብዛዕባ እቲ ናይ IND ጸብጻብ ምስ ጠበቓኻ ክትዘራረብ ኢኻ። ኣብቲ ናይ IND ጸብጻብ፣ ዝጎደለ ወይ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ምስ ዝህሉው ንጠበቓኻ ንገር።