ሓደ ሰብኣይ ኣብ መጸበዪ ክፍሊ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ።
ምንጪ፡ Goedele Monnens / VluchtelingenWerk
ዓንቀጽ

ምስ IND ቃለ-መሕትት ንምግባር ክትጽበይ ኣለካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 5/5/2025 2:03 ድ.ቀ.

ኣብ ተር ኣፐል ድሕሪ ምምዝጋብካ፣ ብዛዕባ ናይ ህድማ ታሪኽካ ምስ IND ቃለ-መሕትት ንምግባር ክትጽበይ ኣለካ። እዚ ድማ ሓያሎ ሳምንታት ክወስድ ይኽእል እዩ።

መጀመርታ መርመራ ዓባይ ሰዓል (TBC) ክግበረልካ ይኽእል

ሕማም ዓባይ ሰዓል (tbc) ካብ ዘጋጥመላ ሃገር ዝመጽኡ ሓተቲ ዑቕባ መጀመርታ ኣብ ኔዘርላንድ

መርመራ ዓባይ ሰዓል
ይግበረሎም እዩ። ኣብዚ መርመራ ክትሳተፍ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ሕማም ዓባይ ሰዓል እንተሃልዩካ ናብ ካልኦት ሰባት ከተመሓላልፍ ስለ እትኽእል። ዋላ ንባዕልኻ ምልክታት እቲ ሕማም እንተዘይብልካ እውን ክትተሓባበር ኣለካ፣ ምኽንያቱ ከይፈለጥካዮ ሕማም ዓባይ ሰዓል ክህልወካ ስለዝኽእል።

VluchtelingenWerk መስርሕ ዑቕባኻ ብኸመይ ከምዝካየድ የብርህ 

መስርሕ ዑቕባ ዝተሓላለኸ እዩ። ከምኡ እውን ኣብቲ ዝቐልጠፈ መስርሕ ዑቕባ፣ ምስ IND ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ 1 ቃለ-መሕትት ጥራይ ኢኻ ትገብር። ስለዚ እንታይ ከም ዝኸውንን፣ ብኸመይ ብዝበለጸ ክትዳሎ ከም እትኽእልን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ወለንተኛታት ናይ

ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ (VWN)
ድማ መስርሕ ዑቕባ ብኸመይ ከምዝካየድን፣ ምስ ኣየኖት ውድባት ከም እትራኸብን ክነግሩኻ እዮም። ብተወሳኺ ብቋንቋኻ ዝተዳለወት ናይ ሓበሬታ ፊልም እውን ክትርእይ ኢኻ።  

ምስ IND ቅድሚ እትገብሮ ቃለ-መሕትት ምስ ጠበቓኻ ትራኸብ  

ምስ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ቅድሚ እትገብሮ ቃለ-መሕትት፣ ምስ ጠበቓኻ ክትራኸብ ኢኻ። ምስ ጠበቓኻ ብሓባር ብምዃን ድማ ምስ IND ንዝግበር ቃለ-መሕትት ትዳሎ። ነቲ ዝርርብ ኣተርጓሚ (ብተሌፎን) ክትርጒመልካ እዩ። ጠበቓኻ ኣብቲ ምስ IND እትገብሮ ቃለ-መሕትት ኣይርከብን እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር