ሓደ ጸሊም ሰብኣይ ብጸጋማይ ኢዱ ሒዝዋ ናብ ዘሎ ሰታሪት ብየማነይቲ ኢዱ ደብዳቤ መሊሱ የእትው
ምንጪ፡ Pheelings media | Shutterstock
ዓንቀጽ

IND ኣብ ዝቐልጠፈ መስርሕ ውሳኔ ይወስድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 5/5/2025 2:10 ድ.ቀ.

IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ፣ ብመሰረት እቲ ምሳኻ ዝተገብረ ቃለ-መሕትትን፣ ዘቕረብካዮ ሰነዳትን፣ ከምኡ እውን ናይ ገዛእ-ርእሱ መርመራን ሓበሬታን ምርኲስ ብምግባር ይውስን።

IND ንመመልከቲኻ እንተድኣ ዘየጽደቖ ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኣለካ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ክወስዶም ዝኽእል 3 ውሳኔታት ኣለዉ፡ 

  • IND ውሳኔ ቅድሚ ምሃቡ ተወሳኺ መርመራ ዘድልይ ኮይኑ ይረኽቦ። ስለዚ ድሕሪኡ ብምቕጻል IND ንመመልከቲኻ ኣብ ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ ወይ ኣብ

    ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ
    ከመስርሖ እዩ። ናብ ካልእ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ ድማ ትሰጋገር።  

  • IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ይነጽጎ። ስለዚ ኣሉታዊ ውሳኔ ትቅበል፣ ካብ ኔዘርላንድ ድማ ክትወጽእ ኣለካ። ጠበቓኻ ገና ኣብ ክንዳኻ ናብ ቤት-ፍርዲ ኔዘርላንድ ይግባይ ክብል ይኽእል እዩ። ሽዕኡ ቤት-ፍርዲ፣ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከምቲ ሕጊ ኔዘርላንድ ዝጠልቦ ብግቡእ ዘመስርሖ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክግምግም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ንውሳኔ ቤት-ፍርዲ ኣብ ኔዘርላንድ ኮይንካ ክትጽበን፣ ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ ምንባር ክትቅጽልን ትኽእል ኢኻ።

    • ቤት-ፍርዲ ምስ ውሳኔ ናይ IND ይሰማማዕ ድዩ?  

      ስለዚ ብቕጽበት ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኣለካ። ደጊም መዕቆቢ ክትረክብ መሰል የብልካን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ናይ ምእታው እገዳ ይግበረልካ። እዚ ማለት ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ምውጻእካ ደጊም ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትኣቱው ኣይፍቀደልካን ማለት እዩ። ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ድማ ናብ ሓደ ማእከል መዕቆቢ ትግዕዝ።  

    • ቤት-ፍርዲ ምስ ውሳኔ ናይ IND ኣይሰማማዕን ድዩ?  

      ስለዚ IND ንመመልከቲኻ ብኻልእ መስርሕ እውን ከመስርሖ እዩ። ናብ ካልእ ማእከል ሓተቲ ዑቕባ ትሰጋገር፣ ከምኡ እውን IND ሓድሽ ውሳኔ ይወስድ።  

  • IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ የጽድቖ። ኣብ ኔዘርላንድ ንኽትጸንሕ ድማ ይፍቀልደካ።  

    ዘመልከትካዮ ዑቕባ ከም ዝጸደቐ ዝገልጽ ደብዳቤ ትቅበል። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ትረክብ። እዚ ዑቕባ ንምርካብ ካብ ዘመልከትካሉ ዕለት ጀሚሩ ን5 ዓመት ዘገልግል እዩ። ድሕሪ 5 ዓመት ድማ ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር